ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ፡ መኪና ናይ ምምራሕ ፍቓድ ንደቂ ኣንስትዮ ምሃብ ጀሚራ


ስዑዲ ዓረብ መኪና ናይ ምምራሕ ፍቓድ ንደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ምሃብ ጀሚራ። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ናይ ካልኦት ሃገራት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ፍቓድ ምሃብ ከምዝጀመረ ዘፍለጠ ኮይኑ እተን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ እቲ ፍቓድ ምርካበን ፈተና ከምዝወሰዳ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ንኣሰርተታት ዓመታት ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክመርሓ ዝኽልክል ሕጊ ኣብ ሰነ 24 ከምተልዕሎ ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ስጉምቲ ሓደ ካብቲ ብልዑል ካልድ ቢን ሳልማን ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ዓቃባዊት ሃገር ንምምዕባል ዝዓለመ መደብ’ዩ።

በኣንጻሩ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንመሰል ምምራሕ መኪና ደቂ ኣንስትዮ ብምድጋፍን ንናይ ወዲ ተባዕታይ ውሕስነት ብምቃውም ወፍሪ ንዘካየዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ይፍለጥ።

ተሓለቕቲ መሰላት ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከባን ናብ ፍርዲ ክቐርባ ከምዝኽእላ ይሕብሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ ውሳነ ንምሕላፍ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፡ ስራሕ፡መርዓ፡ መገሻን ሕክምናን ናይ ወዲ ተባዕታይ ውሕስነት ከምዘድልየን ይፍለጥ።

ንጉስ ሳልማን ዝሓለፈ ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ከምዝወሃበን ክገልጹ ከለው ውሕስነት ወዲ ተባዕታይ ከምዘየድልየን ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን እውን ንበይነን መኪና ክመርሓ ከምዝኽእላ ምሕባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG