ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ አጋር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትደልይ


ስዑዲ ዓረብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከቡ ሽድሽተ ሃገራት ሓድሽ አጋርነት ትደልይ ምህላዋ ተገሊጹ።

ተወከልቲ የመን ጅቡቲ ሶማል ሱዳን የመንን ጆርዳንን ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሪያድ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡን ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ተገሊጹ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 1150 ኪ.ሜ ገማግም ባሕሪ ትውንን ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ህዝቢ ዘለዋን ግን ኸአ ገማግም ባሕሪ ዘይትውንን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ኣይተሳተፋን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓደል ኣልጁቤር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል “እዚ እቲ ንግስነት ንረብሓታቱን ረብሓ ጎረባብቲ ሃገራትን ንምክልካል ዘካየዶ ጻዕርታት’ዩ ንምርግጋእ’ቲ ዞባን ኣብ መንጎ ሃገራት’ቲ ዞባ ውሕደት ንምፍጣር’ዩ” ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ’ቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ዘተ ቁጠባን ምዕቓብ አከባቢን ዝተኮረ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ስዑዲ ዓረብ ቁጠባኣ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ወፍሪ ተካይድ ምህላው ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG