ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ጥበባዊ ግርማይ ኣስፍሃ(ዓንቂ) ብዛዕባ ዓርቢ ስቕለት


ግርማይ ዓንቂ ንስግደት ዓርቢ ስቕለት ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ ግጥሚ "ስፖርት ይኾነካ" ኢያ ትብል። ብኸፊል ከምዚ ዝስዕብ ትብል።

"ኣብ ልብኻ በቐል፡ ኣብ ርእስካ ጽልኢ

ኣብ ቤት ኣምላኽ ካኣ፡ርእየካ ክትጽሊ!...

ንስኻሲ... ንስኻ?

ጋኒንን ስሪኤልን፡ እናተሓጸኑልካ

ከም ሰብካ፡"ዓርቢ ስቕለት" ኢልካ

ሓቀይ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ'ዶ ርእየካ?

ግምባርካን ብርክኻን፡ ደም ቲፍቲፍ እናበለካ

ትጉምበስን....ትፍገምን ኔርካ!....

ኣንታ ክንደይ ትጣበብ፡ ከመይ ሓሲብካዮ?

መንፈስካን ስጋኻን፡ ሰይጣን እናተኻረዮ!

ዓንደ "እዝግዮ" ንዓኻ እዝግዮ!

ቅድሚ ክዳንካ፡ ንመንፈስካ ኣጽርዮ!

ምስ ሓውኻ ውዲ እኖኻ፡ከይተዓረቕካ

ኣብ ዓርቢ ስቅለት፡ክትፍገም ጽሓይ እንተዕረብካ

ዋላ ደም ይዛሪ፡ ብርክኻ ግምባርካ

ጽድቅን ጻማን፡ ኣይትሕለሞ ኢኻ

ግን ዳሓን...ንስፖርት ይኾነካ!!"

ምሉእ ትሕዝቶኣ ግን ኣብ መጠወቒ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ-ጥበባዊ ግርማይ ኣስፍሃ(ዓንቂ) ብዛዕባ ዓርቢ ስቕለት
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:13 0:00


XS
SM
MD
LG