ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ዝኽሪ ኣብ ከተማ ሳክራሜንቶ ዝተቐትሉ ሰባት ተኻይዱ


ዝኽሪ ኣብ ከተማ ሳክራሜንቶ ዝተቐትሉ ሰባት
ዝኽሪ ኣብ ከተማ ሳክራሜንቶ ዝተቐትሉ ሰባት

ኣብ ሳክረሜንቶ ካሊፎርያ ንዝተቀትሉ ሽዱሽተ ሰባት ዝዝክር ምብራህ ሽምዓ ትማሊ ምውላዕ ምሸት ተካይዱ።

እቶም ዝሞቱ ሰባት ፣ ዕድሚኦም ካብ 21 ክሳብ 57 ዓመት ኮይኖም ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮንን እዮም።

ፖሊስ ሳክረሜንቶ፣ ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከምዝቆሰሉ፣ ብሕልፊ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት ይርከቡ ይብል። ሸውዓተ ካብ’ቶም ዝቆሰሉ ተሓኪሞም ናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ሳክረሜንቶ ንዝተፈጸመ ተኹሲ ዝተጠርጠሩ ናይ ምህዳን ወፍሪ ከምዝቀጸለን፣ ሓደ ሰብ ተኣሲሩ ካልኦት ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ድማ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ "27 ዓመት ዝዕድሚኡ ዳንድሬ ማርቲን፣ ፈጻሚ መጥቃዕቲን ዘይሕጋዊ ብረት ሒዙ ዝተረኸበን ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰ" ተገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG