ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ዝኽሪ መበገሲ ኣብ ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝኾነ ጆርጅ ፍሎይድ ተፈጺሙ


ስነ-ስርዓት ዝኽሪ እቲ መበገሲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከሎ ዝሞተ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ

ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ተቓውሞታት ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት ሰላማዊያን ኔሮም። ንጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዙርያ`ዛ ሃገር ሽዱሽተ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ዝተመደበሉ ክኸውን ከሎ፥ እቲ ናይ ትማሊ ፈላማይ`ዩ ኔሩ።

ኣብ ኮንግረስ ድማ ክልቲኦም ፓርትታት ነቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘካይዱ ዘለዉ- ድጋፎም`ኳ እንተገለጹ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ወታሃደራዊ ምላሽ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ግን ተፈላልዮም።

ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ሽሕ’ኳ ሓሓሊፉ ገለ ምጉናጽ እንተበረ ዳርጋ ኩሎም ሰለማዊ`ዩ ኔሩ ። ከንቲባ ርእሰ-ከተማ ዋሺንግተን ማውሪል ባውሰር `ውን- ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ሕላፍ ሰዓት ከምዝተላዕለ ኣፍሊጣ`ላ። ወራዊ ሓይሊ ናብ ዋሺንግተን ምምጽኡ`ውን ተቓዊማ`ያ። 'መጀምርያ ንደልዮ ነገር እዞም ሰራዊት ካብ ዋሺንግተን ይውጽኡ’ ክትብል`ውን ጸዊዓ።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲጽባሕ ቀዳም`ውን ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ትጽቢት ይግበረሉ`ሎ ። ኣብ ሚንያፖሊስ ሚኖሶታ፥ ብጻዕዳ ፖሊስ ክሳዱ ድሕሪ ምስ ተረግጸ ‘ምትንፋስ ስኢነ’ እናበለ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ዝሞተ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ትማሊ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ተገይርሉ ኔሩ።

ኣብ`ቲ መድረኽ ዝተዛረበ ፍሉጥ መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ኣል-ሻርፕተን፥ “ዛንታ ጆርጅ ፍሎይድ ዛንታ ጸለምቲ`ዩ። ካብ 401 ዓመት ጀሚሩ፥ እቲ እንደልዮን እንሓልሞን ክንከውን ዘይክኣልናሉ ምኽንያት፥ ብርክኹም ካብ ክሳድና ስለዘየውርደኩም`ዩ"ኢሉ ።

"ኣብ ልዕሊ ፍሎይድ ዝተፈጸመ ኣብ`ዛ ሃገር በብመዓልቱ`ዩ ዝፍጸም`ዩ-ኣብ ትምህርቲ-ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኣመሪካውያን`ዩ ዝፍጸም።ሕጂ ግን ንሕና ብሽም ጆርጅ፥ ብርክኹም ካብ ክሳድና ኣውርዱልና ንብለሉ ግዜ`ዩ ። "

ኣተሓሒዙ ፥ እቶም ኣብ ስርዓት-ፍትሒ ኣመሪካ ዘለኹም`ውን ካብ ምስምስን ባዶሽ መብጻዓታትን ክትወጹ ንጽውዕ ኢሉ።

ሻርፕተን ብምኽንያት 57 ዓመት ማርቲን ሉተር ኪንግ-`ሕልሚ ኣለኒ`- እናበለ ዝተዛረበሉ ታሪኻዊ ዕለትዝመጽእ ነሓሰ 28 ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ህዝባዊ ሰልፊ ከምዝውድብ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ- ።

ካልእ ትማሊ ሓሙስ፥ኣባላት ኮከስ ደሞክራቲክ ሰነት፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ነተን-ክሳዱ ዝተረግጸለን ደቓይቕ ንምዝካር ናይ 8 ደቓይቕን 46 ሰኮንድታትን- ብስቕታ ዝክረ-ሰማዕት ጌሮምሉ ኔሮም- ።

ኣብ ዙርያ ዓለም`ውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቀጺሉ`ዩ- ኣብ ፓሪስ- ለንደን -ሲድኒ ሪዮ ዲ ጀኔሮ ዝተኻየዱ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይክኣል።

ብኻልእ ወገን፥ እቶም ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ክሳዱ ክርገጽ ከሎ- ጠጠው ኢሎም ዝርእዩ ዝነበሩ- ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ`ውን-ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ-ንነብስወከፎም ድማ ናይ 750 ሺሕ ዶላር ዋሕስ ኣብ ዝባኖም ኣሎ።

ኣብ ኮንግረስ ድማ ክልተ ኣባላት፡ንፖሊስ ፍሉይ ናጽነት ዝህብ ሕጊ- ንክድረት ዝገብር ዓንቀጽ- ይጽሕፉ`ለዉ።

ኣብ ካፒቶል-ሂል፥ ኣባላት ክልቲኡ ፓርታት ኮንግረስ፡ ነቲ ንኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ዝቐተለ ምጥቃም ሓይሊ ብቕሉዕ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ካብ ሳውዝ ኮሮላይና ዝተወከለ ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንሲ ግርሃም፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ዝፍጸም ከምዚ ዝበለ ጭካነ በዚሑ`ሎ ይብል፥

ሪፓብሊካን ኮንግረስማን ግራሃም “ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከለዉ ብጨካን ኣተሓሕዛ ከምዝሞቱ፥ እዚ ናይ ሕጂ`ውን ናይ መዘኻኸሪ ደወል`ዩ" ኢሉ ።

ካብ ኤለኖይ ዝተወከለ ደሞክራት ሰነተር ዲክ ደርባን ብወገኑ፥ ስርዓተ-ፍትሒ ኣመሪካ- ብዓሌትነት ዝተበከል`ዩ ኢሉ።

"ንሕገ-መንግስትና ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ`ሎ- ንሱ ድማ ስርዓተ-ፍትሒ ኣመሪካ-ምስ ደምክራሲያዊ ክብርታትና ብዘይቃዶ መልክዕ- ብዓሌትነት ዝተዓብለኸ ድዩ ዘሎ ዝብል `ዩ” ይብል ።

መራሒ ኣብዝሓ ፓርቲ ሰነት- ሚች ሚኮነል ብወገኑ-ኣብ ዝኾነ ዓለም-ሓደ ፖሊስ ንሓደ ብውሑድ ገበን ዝድለ ሰብ-ኣብ ክሳዱ ረጊጽካ-ምትንፋስ ክሳብ ዝስእን ክትግበሮ-ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።

መራሕቲ ሪፓብሊካን ፓርቲ፥ ሓዘኖምን ምስ ስድራቤት ፍሎይድ ዘለዎም ሓድነቶም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰልፈኛታት ንምምካት ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምጽውዑ ግን ብዙሕ ኣይነቐፍዎን። ትራምፕ-ነቶም ኣብ ሰልፊ ህውከትን ናዕብን ዘልዓሉ ቀይዲ-በተኻት ንምቁጽጻር ተደራቢ ሓይሊ ምጽውዑ ግቡእ`ዩ ብምባል።

ካብ ኒው ዮርክ ዝተወከለት ደሞክራት ክርስቲን ጊልባርድ ድማ ንፖሊስ ዝምልከት ሕጊ ክመሓየሽ ትሓትት።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጆርጅ ፍሎይድ ዝመጽእ ሰሉስ ሰነ-9 ኣብ ዓዱ ኣብ ከተማ ህዩስተን ክፍጸም`ዩ።

XS
SM
MD
LG