ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ኣብ ማይ ካድራ ዝተቐትሉ ሰባት ተፈጺሙ


እዚ ምስሊ ኣቐዲሞም ግዳያት ዝተቐብርሉ ቦታ ዘርእይ'ዩ
እዚ ምስሊ ኣቐዲሞም ግዳያት ዝተቐብርሉ ቦታ ዘርእይ'ዩ

ነበርቲ ማይካድራ ክዛረቡ ከለው "ብንቡርን ብመሰረት እምነቶምን ፣ ብመስርሕ ሓሊፉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይተገበረሎምን፣ ነበርቲ’ታ ከተማን ቤተሰቦምን’ውን ሓዘኖም ኣይገለጹን። ስለዚ እቶም ዝሞቱ፣ አስከሬኖም ካብ ዝተቀብርሉ ስፍራ ብምውጻእ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ስነ ስርዓት ጸሎት ስነ ቀብሪን ተኻይዱ" ክብል እቲ ዜና ይገልጽ።

ሪፖርተርና ብኣካል ኣብ ዝተረኸበሉ ሰዓት፣ ኣስከሬን 21 ሰባት እናተቀበረ ከሎ ከምዝተዓዘበ’ውን ሓቢሩ። ቅድሚ ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ኪኢላታት ኣስከሬን፣ ሓካይምን ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ተረኺቦም ከምዝነበሩ’ውን ሓቢሩ።

ካብ ዳንሻ ናብ ሑመራ ከምዝተበገሰ ዝዛረብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ንኩነታት ሑመራ ‘ስቅታ ዝወረራ ከተማ’ ኢሉ ይገልጻ።

ሃዋሁ ማይካድራ ቁሩብ ክብድ ዝበለ ኮይኑ እየ ረኺበዮ፣ ምኽንያቱ፣ ናይ ሰባት ስምዒት ‘ዝተረበሸ፣ ጽቡቅ ነገር ምርኣይ ዘይካኣሉ ሰባት ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም። ኣብ ማይካድራ ሰባት ተቀቲሎም ብጅምላ ዝተቀበሩላ’ እያ ይብል።

ካብ ጎንደር ክሳብ ሰሮቃ፣ ካብ ሰሮቃ ክሳብ ሑመራ ሰራዊታት ፌደራል፣ ናይ ክልል አምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ከምዝተዓዘበ፣ ክሳብ ሩባ ተከዘ ከምዝተጓዕዘን፣ ፌደራላዊ ፖሊስ፣ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ሰራዊት ፌደራልን ተዋፊሮም ከምዘለውን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ኣብ ማይ ካድራ ዝተቐትሉ ሰባት ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:21 0:00


XS
SM
MD
LG