ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ


በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደረጃ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ኣብ ከተማ መቐለ እውን ብሃማይኖታዊ ስርዓትን ባህላዊ ምድላዋትን ደሚቑ ተኸቢሩ።

በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ መቐለ ብመዝሙር፣ ሁራን ደሚቑ በበዓመቱ ኣብ ዝኽበረሉ ሰውሒ ንጉስ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተኸቢሩ።

ካብ ኣብያተ ክርስትያን ከተማ መቐለ ዝወፁ ታቦታት ኣብቲ ባህረ ጥምቀት ሓዲሮም እቲ ስነሰርዓት ምስተዛዘመ ድማ ነናብ ድብሮም ተመሊሶም። ኣብቲ በዓል መራሕቲ ሃይማኖት፣ አመንቲን በጻሕቲ ሃገርን ተሳተፍቲ ኔይሮም።

መምህር ፅጌ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ጌተሰማኒ ቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ሰባኪ እዮም። በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመጥምቁ ዮሃንስ ዝተጠመቐሉ እንዝክረሉ እዩ ይብሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ፅባሕ ጥምቀት ዝኽበር በዓል ቃናዘገሊላ እውን ድማ ኢየሱስ ክርሰቶስ ንፈለማ ግዜ ተኣምር ዝሰርሓሉ ዝዝከረሉ እዩ ይብሉ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ኣከባብራ መናእሰይ እቲ በዓል ብሰላም ክዛዘም ተወዲቦም ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ታቦት ኣብ ዝሓልፈሉ መንገዲ ሰቲ ነስኒሶም ምንፃፍ ብምንጻፍ ኣገልጊሎም።

ናይቲ በዓል ተሳተፊቲ እቶም መናእሰይ ነቲ በዓል ኣዲሚቖምዎ ይብሉ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረስብከት መቐለ ብፁእ ኣቡነ ኢሳየስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ክሰፍን ኩሉ ክተሓባበር ፀዊዖም።

ስነ ስርዓት ኣከባብራ ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:33 0:00

በዓል ጥምቀት ብብደረጃ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው እዩ ተኸቢሩ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ንኽብሪ ባህሉን መንነቱን መስዋእቲ ከፊሉ እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝበታት ብፍላይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ንምግጫው ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም። "ንህዝቢ ኣምሓራ ትግራይ ክወረኩም ይዳለው ኣሎ ተባሂሉ ክሰናበድ ይግበር ኣሎ ህዝቢ ኣምሓራ ግና ነቲ ጉዳይ ይቃወሞ ኣሎ" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:11 0:00

XS
SM
MD
LG