ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ኣቐባብላ ኣርቲስትን ኣክቲቪስትን ታማኝ በየነ ኣብ ከተማ ባህርዳር


ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ስደት ናብ ሃገሮም ይምለሱ ካብ ዘለው ኣርቲስታትን ኣክቲቪስታትን ታማኝ በየነ ሎማ ሶኑይ ባህርዳር ኣብዝኣተወሉ እውን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ተፈሊጡ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ባህርዳር ድሙቕ ኣቀባብላ ዝገበርሉ ታማኝ በየነ ህዝቢ ኣምሓራ ክልል የብሉን ኢሉ።

“ኣምሓራ ክልል የብሉን።ክልሉ ኢትዮጵያ እዩ።ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኢትዮጵያዊነት እዩ።ኢትዮጵያ ከም ኢትዮጵያ ክትቕፅል ኣብ ዶብ ዓፅሚ ኮይኑ፤ሓመድ ኮይኑ ኢትዮጵያ ሃኒፁ ኣረኪቡ እዩ።”

ብዛዕባ ኢትዮጵያዊነት ዝተዛረበ ንሱ ኣምሓራ ብጨዋነቱ ብምኽንያታዊነት ምልዛብ እምበር ኣይትምፅኡኒ ማለት ናይ ፀቢብነት ምልክት እዩ ኢሉ።ንህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ምፅላእ ኢትዮጵያዊ ጨዋነት ኣይኮነን ክብል እውን መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

“ንኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ ምቕያም፣ምፅራፍ፣ከም ፀላኢ ምርኣይ ኢትዮጵያዊ ባህሪ ኣይኮነን።ካብ ውሽጡ ዝወፁ ክፉኣት ክጥዕሞም ከሎ ከም ጅግና ናብ ቅድሚት ይመፁ፤ኣጥፊኦም ክትሓዙ ከለው ትግራይ ኢና ኢሎም ይኣትው።ከምዚ ከዋቕዑ ከለው ነፂልኩም ኦ ህዝቢ ትግራይ ሓውካ፤ኣሓት፣ኣቦ፣ኣደ ሓደ ኢትዮጵያዊን ወገናት ኢና።ካብኹም ዝቦቐሉ ሕማቓት ከምዘለው ካባና ዝቦቕሉ ሕማቓት እውን ኣለው።ብሰንኮም ገመድ ኢትዮጵያዊነትትና ኣይብተኽን እዩ በሉዎም ኢኹም።”

እንተዘይኮኑ ግን ኣነ ታማኝ ብሰንኪ ዘጥፋእኹዎ ኩሉኹም ተሓተቲ ክትኾኑ ኢኹም ከም ማለት ስለዝኾነ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ኢትዮጵያ ብሓባር ንህነፅ ክብል ፀዊዑ።

ዘጠፍኡ ናብ ሕጊ ክነቕርብ እምበር ብኢድና ሕነ ኣይንፈድን፤ኢትዮጵያዊያን ናይ ሕጊ ሰባት ስለዝኾና ኢሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ ታማኛ በየነ ትማሊ ምሸት እውን ኢትዮጵዊነት ብሓባር ንምሕያልን ዝሰብኽ መደረ ኣብ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ኣስሚዑ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣክቲቪስታትን መራሕቲ ፖለቲካን ኣብ ከተማ ባህርዳር ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG