ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ተፈጺሙ


ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ትማሊ ሰንበት ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ኣብ አዲስ አበባ ተፈፂሙ።ንዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ዘከላበቱ ናይ ቀደም ጨካናትን ውልቀ መለኽትን መራሕቲ ብህይወት እናሃለው ዘይሃቡዎም ክብሪ ምስ ሞቱ ረኺቦም ክብሉ ብቀረባ ዝፈልጡዎን ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ መደረ ዘስምዑን ገሊፆም።

ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመት ፕረዚደንት ኮይኖም ዘገልገሉ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብዝተፈጥረ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሓላፍነቶም ምልቓቆም ይዝከር።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ዝተነበ ፅሑፍ ዝተፈለየ ሓሳብ ብምሓዞምን ካብ ስልጣን ብምልቃቖምን ፀቕጢን በደላትን ተፈፂሙዎም ይብል ።ዝናብ ኣብዘፍስስ ገዛ ይነብሩ ነይሮም፣ብናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ታክሲ ከምኡ እውን ብእግሮም ክጉዓዙ ተገዲዶም።ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ነጋሶ በደል ዘውረዱ ፖለቲከኛታት ብህይወት እናሃለው ነጋሶ ብዝለዓለ ክብሪ ብምቕባሮም ተፀናኒዕና ክብሉ ናይ ቀረባ ፈተውቶም ተዛሪቦም። ካብ እዋን ንእስነት ንዶ/ር ነጋሶ ዝፈልጡዎም ዋና ፀሓፊ ናይ ቀደም ፓርቲ ሓድነት ዝነበሩ ኣቶ ኣስራት ጣሴ ከምዚ ኢሎም።

“ጨካናትን ውልቀመለኽትን መራሕትና ዶ/ር ነጋሶ ብመትከልን ሓሳብን ምስ ተፈለዩዎም ከምቲ ዘከላበቱዎምን ዝጎድኡዎምን ኣማውትኦም እውን ሕሱር፣ዘይረብሕን ዋጋ ኣልቦን ክኸውን ዝነበሮም ተስፋ ፈሺሉ እዩ።ንሳቶም ብህይወት እንሃለው ዘይረኸቡዎ ክብርን ሞገስን ንሶም ኣብ እዋን ሞቶም ረኺቦምዎ ኣለው። “

ናይ ዶ/ር ነጋሶ መርገጺን ኣመለኻኽታን ትኽክለኛ ከምዝነበረ ኩሎም ትማሊ ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ዝተዛረቡ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለው።ካብዚኦም ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓንቲ እየን።

“ውሩይ ፖለቲከኛን ምሁር ታሪኽን ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ንእምነትን ሕልናን ምንባር ኣርእዮምና።ናይ ውልቂ ረብሓ፣ሃብቲ ንዕኦም ዋላ ሓደ ነገር ከምዘይነበረ ብመነባብርኦም ኣርእዮም እዮም።”

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብተወሳኺ ሽግር ከይስዓሮም ንቕድሚት ሰጒሞም፤ምስ ህዝቢ ወጊኖም፣ፍቕርን ተቐባልነትን ኣትሪፎም እዮም ኢለን ።

ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምኡ እውን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳውሎስ ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ፈተወቲ፡ ቤተሰብን ፣ኣድነቕቶምን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ኔሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00


XS
SM
MD
LG