ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ኤች ቡሽ ተፈጺሙ


ኣስክሬን ዝሓለፈ ዓርቢ ዝዓረፉ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆርጅ ኤች ቡሽ ሎማ ረቡዕ ናብ ቴክሳስ ክምለስ እዩ።ቅድሚኡ ግን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝርከብ ሃገራዊ ካቴድራል ኩሎም ብህይወት ዘለወ ፕረዚዳንታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ቀብሪ ተካይዱ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ በፃሕቲ ንኣስከሬን መበል 41 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ካፒቶል ሂል ተረኺቦም ካብ ሶኑይ ጀሚሮም ክብሮም ገሊፆም እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ካቴድራል መንግስታዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቅድሚ ምክያዱ ኣስከሬን ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ቡሽ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ካፒቶል ብኽብሪ ኣብዝተቐመጠሉ ኣሽሓት በፃሕቲ ብኣካል ተረኺቦም ናይ መወዳእታ ክብሮም ንምግላፅ ሪጋ ሒዞም ይርኣዩ።ነቶም ብዙሕ ግዜ ከም ዕጉስን ለዋህን ግን ከኣ ብርቱዕን ተባዕን ዝሪኡዎም ናይ ቀደም ፕረዚደንት ተፋንዮም።

ሓደ ካብ ቴክሳስ ዝመፀ ከምዚ ክብል ይገልፆም።

“ኣነ ካብ ቴክሳስ ዝመፃእኹ እየ፤ንሶም እውን ከም እትፈልጡዎም ወዲ ቴክሳስ እዮም።ኣዚዮም ዝተኸብሩ ሰብ እዮም።ብዙሕ ፅቡቕ ተግባራት ፈፂሞም።”

ካልእ ካብ ቺካጎ ኤሊኖይ ዝመፁ ብወገኖም መበል 41 ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን መራኸቢ ማዕኸናት ዝግባእ ርህራሄ ከምዘሃቡዎም ይገልፅ።

“ብሓቂ ነዚ ሰብ ስኢናዮ ኢና፤ደረጃ ስልጥንንኡ ዝንኣድ ነይሩ።ዋላ’ዃ ፕረስ ሕጂ ‘ዓብይ ነይሩ፣ዓብይ ነይሩ’ እንተበላ እውን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ከምኡ ኣይበላን ነይረን።እናስዓባ ይሃድንኦ ነይረን።”

ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሜይን ዝመፁ ጡረታ ዝወፁ ወታደር እዮም።

“ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ነገር ጅግና ዓውዲ ኲናትን ዓብይ ፕረዚደንት እዮም ነይሮም።ኣብ እዋን ስልጣኖምን ኣብ ናይ ወዶም እዋን ምምሕዳርን ኣገልጊለ እየ።ስለ ዝኾነ ንዓይ ኣብዚ ምርካበይ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ።”

ካብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመፀ በፃሒ ኣብ እዋን ምምሕዳር ቡሽ ተማሃራይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ነይሩ።

“ቡሽ ካብ ናይ መወዳእታ ለዘብተኛ ሪፓብሊካዊያን ፕረዚደንትታት ሓደ ከምዝነበሩ እየ ዝግምት።”

ንኣስከሬኖም ካብ ዝበፅሑ ኣሽሓት ሰባት ፖለቲከኛታትን ጀጋኑ ኲናትን ይርከቡዎም።ንኣብነት ናይ ኣሜሪካ ሰነቴር ዝነበሩን 95 ዓመት ዝዕድሚኦምን ቦብ ዶል ካብ ተሽክርካሪ ወንበሮም ብደጋፊ ተላዒሎም ናይ ሪፓብሊካዊያን ሕፁይ ፕረዚደንት ንምዃኑ ንዝተወዳደርዎም ናይ ክብሪ ሰላምታ ለጊሶምሎም።

ሓጋዚት ቡሽ ዝነበረት ሳሊ ተባሂል እትፅዋዕ ከልቦም እውን ንመወዳእታ ስንብት ናብዚ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ መፂኣ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማዊት እመቤት መላኒያን ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ንጉሆ ኣብ ካፒቶል ሂል ተረኺቦም ክብሮም ገሊፆምሎ ኣለው።

ሎማ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ መንግስታዊ ስነስርዓት ላዕለዎት ኣሜሪካዊያን ፖለቲከኛታት፣ካብ ዙሪያ ዓለም ዝመፁ ኣብ ስልጣን ዝርከቡን መራሕትን ዝነበሩ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክሰናበቱዎም ተኣኪቦም ኣለው።

ናይ ቀደም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር፣ቢል ክልንቴንን ባራክ ኦባማን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ምስ ዝኾኑ ዶናልድ ትራምፕ ብምዃን ብሓባር ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጆርጅ ኤች ቡሽ ተሳቲፎም።ናይ መዘከርታ መደረ ካብ ወዶም ጆርጅ ቡሽ ዝኾኑ መበል 43 ፕረዚደንት ተሰሚዑ።ካልኦት እውን ናይ መዘከርታን ክብርን መደረ ኣስሚዖም።

‘’ምስ ስድራ ቡሽ ብምዃኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፍ እየ’’ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም። ‘’እዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይኮነን፤እዚ ንሓደ ነዊሕን ክቡርን ህይወት ንዝመርሐ ዓብዪ ሰብ እነኽብረሉ ዕለት እዩ።’’

ድሕሪ ናይ ሎማዕንቲ ናይ ዋሽንግተን ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣስከሬኖም ፅባሕ ሓሙስ ንዝካየድ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ስነስርዓት ናብ ኡስተን ቴክሳስ ክጉዓዝ እዩ።ኣስክሬኖም ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ላይብረርን ሙዚየምን ኣብ ጎኒ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝዓረፋን ናይ 73 ዓመታት ብዓልቲ ቤቶምን ባርባራ ቡሽን ገና ኣብ ሰለስተ ዓመታ ኣብ 1953 ብካንሰር ዝሞተት ጓሎም ሮቢንን ብኽብሪ ክዓርፉ እዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎማዕንቲ ረቡዕ ንኽብሪ ቡሽ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክኸውን ኣዚዞም ኣለው።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ኤች ቡሽ ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:13 0:00

XS
SM
MD
LG