ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው ተፈጺሙ


ምኩር ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው መጋቢት 25/2012 ወይ ሚያዝያ 3/2020 ድሕሪ ምዕራፉ ስነ ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ተፈጺሙ ‘ሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ብሓላፍነት ዘገልገለ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው ኣብ ኣኽሱም ትግራይ እዩ ተወሊዱ: ዓብዩ።

ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተኣሲሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ኢትዮጵያን ኣብ’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ብሞያ ጋዜጠኝነት ሰሪሑ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ጸባኦት ገብርየ ምስ ኣቶ ጸሃዬ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመታት ከምዝመጹ ትዝክር። 24 ዓመታት ናብራ ሓዳር ጸሃዬ ኣዝዩ ጥዑም ነይሩ ‘ምስ ጸሃዬ ምትዕራኽ፣ ኣብ ሓዳር ምጽማድ፣ ኣቦ ኮይኑ ዘሕለፍናዮ እዋን ፍሉይ ክብሪ ዝህቦ በዓል ቤተይ’ዩ ኢላ ትዝክሮ።

ንዘጋጠማ ሓዘን ክትገልጾ ከላ ‘ብዕረፍቲ በዓል ቤተይ ኣቶ ጸሃዬ ካብ ልበይ ኣዝዩ ሓዚነ ኣለኹ። ጸሃዬ ብዘይመጠን ጽቡቅ ሰብ ነይሩ። ተዛሪቡ ዘቐይም ልሳን ዘይነበሮን፣ ጥዑም ዓርኪ፣ በዓል ቤት፣ ሓውን ጥዑም ሰብ እዩ። ንጸሃዪ ዝገልጸሉ ቃላት ይሓጽረኒ’ዩ’ ትብል።

ትማሊ ሓሙስ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተፈጸመ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው በዓል ሓደርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ከምዝኾነ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። ንመላእ ቤተሰብ: ፈለጡትን ስድራ ቤትን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:00 0:00


XS
SM
MD
LG