ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር ኣበበች ጎበና ተፈጺሙ


ስነ ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር አበበች ጎበና፣ ኣብ ካቴድራል ስላሴ አዲስ አበባ ሎሚ ሶሉስ ተፈጺሙ።

ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት፣ ንሰን ዘዕበዮኦም ቆልዑ፣ ኣዝማድ፣ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርቲ’ታ ከተማን ተረኺቦም ነይሮም።

ከንቲባ’ታ ከተማ ኣዳነች ኣበቤ "ስራሓት ዶ/ር ኣበበች ጎበና ክንቅጽሎ ኢና" ከምዝበላ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።

ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተቀበላ ኣበበች ጎበና ብሰንኪ ኮቪድ 19 ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ከምዝቀነያን 27 ሰነ ኣብ መበል 85 ዓመት ካብዛ ዓለም ምሕላፈን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG