ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንጂ. ስመኘው በቀለ ሰንበት ክፍጸም'ዩ


ኢንጂነር ስመኘው በቀለ
ኢንጂነር ስመኘው በቀለ

ትማሊ ኣብ አዲስ አበባ መስቀል አዲስ አበባ ኣብ መነኦም ሞይቶም ዝተረኽቡ አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሰንበት ከምዝፍጽም አተሓባባሪ ኮሚተ አፍሊጡ።
ሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ መዘራረቢ ኣብ ዝኾነሉን ደበና ጓሂ ኣብ ዘንጸላለዋ ኢትዮጵያ ምድላው ስነ ስርዓት ቀብሮም ቀጺሉ'ሎ።

ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ብጥይት ተሃሪሞም ምሟቶም ፖሊስ ዝሓበረ እንተኾነ ሬሳኦም ግን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሆስፒታል ኣብ ምርመራ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንጂ. ስመኘው በቀለ ሰንበት ክፍጸም'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00

XS
SM
MD
LG