ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ


ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ደራፊትን ከራሪትን ጸሃይቱ በራኺ ሎም 31 ግንቦት, 2018 ፍርቂ መዓልቲ ቤተሰባ፡ መሳርሕታ፡ፈተውታን ኣፍቀርቲ ሙዚቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መካነ መቃብር ቅድስተ ማርያም ኣስመራ ተፈጺሙ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነ ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ- ኣስመራ
ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነ ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ- ኣስመራ

ኣብ 1939 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ደቡብ፡ዃዓቲት ዝተወልደትን ድሕሪ ሞት ኣቡኣ ብንኡስ ዕድሚኣ ምስ ኣዲኣ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ዕድመ ንእስነታ ኣብ ኣባሻውል ዘሕለፈት ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ፡ ኣብ 16 ዓመታ ወግዓዊት ሃራሚት ክራር ብምዃን ኣብ እንዳ ስዋ ብምድራፍ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ስነጥበባዊ ሂወት፡ኣብ 70ታት ስማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበረኸሉን “መጀመርያ ፍቕሪ”፡ “ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ”፡”ላለይ ቦላ” ዝርከብዎም 12 ደርፍታት ዝሓዘት ናይ መጀመርያ ዲስኮ ከተሕትም ዝበቅዓትሉ እዋን ከምዝነበረ ታሪኽ ሂወታ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00


XS
SM
MD
LG