ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ምቅባል ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ


ሌዲ ጋጋን ብሩስ ስፕሪንግስተን ዝአመሰሉ ፍሉጣት ስነ ጥበባዊያን ዝተሳተፉሉ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምኽትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስን ኣድሚቆሞ እዮም ።

ሌዲ ጋጋ ንሃገራዊ መዝሙር ብናታ ህርመት ፣ ስምዒትን ፋሽንን ኣላቢሳ ኣቕሪባ: ጀኒፈር ሎፔዝ'ውን ንዓዓ ስዒባ ስራሓታ ኣቅሪባ ።

ኣብቲ ኣማስዩ "ኣሜሪካ ንጸንብል " ብዝብል ቃል ካብ ሊንከን መዘክር ዝተኻየደ መቀፀልታ ናይቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ንብሩስ ስፕሪንግተን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ውሩያት ስነ ጥበባዊያን ዝተሓወሰ እዩ ነይሩ።

ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር መቀበሊ ዝተዳለወ ክብረበዓል ትማሊ ረቡዕ ኣማስዩ ዝተዛዘመ ኮይኑ ኬቲ ፔሪ ካብ ቤተ መዘክር ሊንከን ኮይና ብእተፃወተቶ ደርፊ ስነስርዓት ምውላዕ ርችት ንሰማያት ዋሽንግተን ዲሲ ኣድሚቑ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ስርዓት ምቅባል ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:12 0:00


XS
SM
MD
LG