ዋሽንግተን —
"ኣብራክ’’ ዘርእስታ ብኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ዝተፅሓፈት ናይ ኣምሓርኛ መፅሓፍ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 20 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ ተመሪቓ’ላ።
እታ መፅሓፍ ፖለቲካዊ ልብ-ወለድ ኮይና ብዛዕባ ክልተ ኢትዮጵያዊያን ተወላዲ ትግራይን ተወላዶ ኦሮሞን ፍቑራት ምሁራት ሕጊ እተዘንትውን መፅሓፍ እያ።ፖለቲካ ኣብ ፍቕሪ፣ኣብ ስድራ፣ኣብ ማሕበረሰባት ብዓብይኡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይፈጥሮ ዘሎ ኣሉታዊ ተፅዕኖን ብእምነት እቲ ደራሲ ንቕድሚት እውን ዝፈጠሩ ስግኣትን ትዛረብ'ያ ይብሉ ነታ መፅሓፍ ዝገምገሙ።
ኣብ ሬድዮና ብተደጋሚ እናቐረበ ፖለቲካውን ሕጋውን ትንታነታት ዝህበና ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ንዓመታት ኣብ ውሽጡ ከጨንቖ ዝፀንሐ ጉዳይ በዛ መፅሓፍ ኣቢሉ ከምዘውፅኦ ይዛረብ።
ነታ መፅሓፍ ከምዘንበቡዋ ዝገለፁን ኣብቲ ስነስርዓት ዝረኸብኩዎምን ኣቶ በርሀ ስዩም ኣብርሃ እታ መጽሓፍ ናይ ብሄር ሽግር ማዕረ ክንደይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ናብራ ናይ ፍቕሪ ህይወቶም ከይተረፈ ጣልቃ ከምዝኣትው እተርእይ እዋናዊት መፅሓፍ እያ ይብሉ።