ኣስመራ —
ብዝተፈላለዩ ቋንቃታት ናይ ኤርትራ ዝደርፍን ሰለስተ ዓይነታት መሳርሒ ሙዚቃታትን ዝጻወት መንእሰይ ስነጥበባዊ’ዩ።ብቋንቋታት ትግርኛን ኩናማን ብዝሰርሖም ስርሓቱ ዝያዳ ይፍለጥ።
ናይ መብዛሕቱ ስርሓቱ ዜማን ግጥምን ባዕሉ ዝገበሮ ኮይኑ ፥ንገለ ደረፍት’ውን ግጥምን ዜማን ኣበርኪቱ’ኡ።እታ ናይ ፈለማ ስርሓቱ ዝኾነት "ተጋይሸ” እትብል ንጽል ደርፉ ከኣ ምስ ሰብ ዘላለየቶን ብካልኦት ደረፍቲ ብምድራፋ ኣብ እዋኑ ከም መዛረቢ ኣርእስቲ ኮና ኔራ።
መንግስተኣብ ገ/ገርጊሽ ናብ ስነ ጥበብ ብኸመይ ከምዝኣተው ብምግላጽ ናይ ሎሚ መደብ ይጅምር።