ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነስርዓት ቀብሪ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ነበር በነዲክት ተፈጺሙ


ስነስርዓት ቀብሪ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ነበር በነዲክት መበል 16 ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጰጥሮስ ባሲሊካ ተፈጺሙ።

ነቲ ስነ-ስርዓት ዝመርሕዎ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ`ዮም። ሊቃነ ጳጳስ በነዲክት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዓሪፎም። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ምርኢት ምሃብ ክብሪ`ቶም ጳጳስ 200 ሺሕ ሰባት ተረኺቦም ኔሮም። ሊቃነ ጳጳስ በነዲክት ንዳርጋ ሸሞንተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 2013`ዮም ይኣኽለኒ ኢሎም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ክፍለ- ዘመን ባዕሎም ስልጣኖም ዝሓደጉ ናይ መጀመርያ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ድማ እዮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተዛረቡ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንሊቃነ ጳጳስ በነዲክት ክገልጽዎም ከለዉ፡ በዓል ልቦና ጽኑዕን ውፉይን ክብሉ ገሊጾሞም።

XS
SM
MD
LG