ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስርዓተ ቀብሪ ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ተፈፂሙ


ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ዝዓረፈ ድምፃውን ደራሲ ግጥምን ዜማን ዓሚር ዳውድ ስነስርዓት ቀርቡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈፂሙ።

ብዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታቱ ዝፍለጥ ድምፃዊ ዓሚር ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ክሕከም ድሕሪ ምፅንሑ ትማሊ ለይቲ እዩ ዓሪፉ።

ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ብኣስታት 400 ሽሕ ብር ወፃኢ ዘሐተማ ካሴት ሸይጡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ካብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ከምዘወፈየ ተፈሊጡ’ሎ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ስድርኡን ኣድነቕቱን ኣብዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚተፈፂሙ ኣሎ።

ኣሚር ዳውድ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG