ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሙያት ማዕከናት ዜና ኣመሪካን ኤውሮጳን ደገፈን ንኣሳንጅ የርእያ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከባ ህቡባት ማዕከናት ዜና ነቲ ናብ ኣመሪካ ክጥረዝ ዝተባህለ መስራቲን ኣካያዲን ዊኪሊክስ ዝዀነ ጁሊያን ኣሳንጅ ዘለወን ድጋፍ ገሊጸን። እተን ከም ናይ እንግሊዝ 'ዘ ጋርዲያን'፣ ናይ ኣመሪካ 'ዘ-ኒው-ዮርክ ታይምስ'፣ ናይ ፈረንሳ 'ለ-ሞንደን' ናይ ጀርመን 'ደር ስፐይገል' ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ተግባር ኣንጻር ቅዋም ኣመሪካን ናጻ ፕረስን’ዩ ክብላ ገሊጸንኦ።

መስራቲ ዊኪሊክስ ዝዀነ ኣሳንጅ፡ ኣብ ኣመሪካ ብ8 ክስታት ተመስሪቱሉ ኣሎ። ክሲ ኣሳንጅ ቅድሚ 12 ዓመት ብብዝርግሖ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲታት ምስጢራዊ ሰነዳት’ዩ። ኣሳንጅ ናብ ኣመሪካ ተሰጒጉ በቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ ክሳብ 175 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ።

XS
SM
MD
LG