ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሉሳዊ ልዝብ ሓጽቢ ሕዳሰ ትማሊ ሰሉስ ተኻይዱ


ስሉሳዊ ልዝብ ሓጽቢ ሕዳሰ ትማሊ ሰሉስ ብማንዛ ተኻይዱ ኔሩ።

እቲ ፡ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻእን ሚንስተራት ማይን ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ፥ ብዛዕባ ምቕጻል'ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምገል ልዝብ ከም ዝተዘራረቡን፡ ነቲ ልዝብ ንምቕጻል ከምዝተሰማምዑን ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓበረታ የመልክት።

ብመሰረት'ዚ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝቕጽል ሸውዓተ መዓልታት ተራኺበን፡ ተሪፉ ዘሎ ፍልልያተን ንምጽባብ ከም ዝሰርሓ ምስምምዐን ተጠቒሱ'ሎ።

ዝቕጽል ተክኒካዊ ኣኼባ'ውን ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝካየድ ተሓቢሩ'ሎ።

ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሰ ኣብዚ ዝሓለፈ ከረምቲ ከምዝዛዘመት ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG