ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስለስተ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣሓት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ሮቦት ልዑል ውጽኢት ኣመዝጊበን


ሰለስተ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣዋልድ ተማሃሮ፡ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ፕሮግራም ሮቦት፡ ንኤርትራ ወኪለን ብምውድዳር፡ ልዑል ውጽኢት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

እቲ ፕሮግራም ብቐንዱ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሳይንስ፡ሕሳብን ቴክኖሎጅን ንምሕያል ዝዓለመ ምንባሩ ተጠቒሱ`ሎ።

ነቲ ሮበት ብቐንዱ ዝሰርሐት ጓል 17 ዓመት ምስጋና እስቲፋኖስ ክትከውን ከላ፡ ኣሓታ ሰምሃርን፡ ስኒትን`ውን ኣብ ምድላው`ቲ ውድድር ሓጋዚ ተሳትፎ ከምዝነበረን ትገልጽ። ንኻልኦት ብጾታ`ውን ኣመስጊና`ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG