ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴንጋል ትካል መፍረ ክታበት ኮቪድ19 ንምትካል ትዳሎ


ድኻታት ሃገራት ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት፡ ንኽታበት ጸረ-ኮቪድ ኣብ ዝጸጋማሉ እዋን፡ ሴነጋል ብፍሉይ ንኽታበት ዝዓለመ ትካል መፍረ-መድሃኒት ንምትካል ትቀራረብ ኣላ። እዚ ትካል ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርአ ሕጽረታት ዓቢ ኣበርኽቶ ክህሉዎ ምዃኑ ይሕበር።

ፈላማይ ክታበት ጸረ-ኮቪድ ኣብ መጋቢት 2021 ዝጀመረት ሴነጋል፡ ከም ካልኦት ኣብ ምጽወታ ካልኦት ሃገራትን ትካላትን ዝምርኰሳ ሃገራት ግን ብሕጽረት ቀረባት ክትሳቐ ጸኒሓን ኣላን።

ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረባት ኣብዚ እዋን 11% ኣፍሪቃውያን ጥራይ ጸረ-ኮቪድ ክኽተቡ እንከለዉ፡ ንምንጽጻር ዝኣክል እቲ ኣሃዝ 64% ኣብ ኣመሪካን 85% ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን’ዩ።

ነዚ ንምፍታሕ እምበኣር ተመራመርቲ ኣፍሪቃ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ። ፓስትዩር (Pasteur) ዝተባህለ ትካል ሴነጋል ምስ ባዮ-ቴክ ብምልፋን ነቲ ክታበት ኣብ ሴነጋል ንምፍራዩ ኣብ መስርሕ ይርከብ።

ዳይረክተር ትካል ፓስትዩር ኣማዱ ሳል “ኣብ መዳይ ጥዕና ውሕስነት ክህልወና፡ ቀረብ ባዕላትና ክንቈጻጸሮ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ነዚ ለበዳ ንምቍጽጻር ኣብ በበይኑ ክፋላት ዓለም ብተናጸል ዝግበር ወፍሪ ውጽኢት ኣይክህሉዎን’ዩ”ይብል።

ኣፍሪቃ 99% መጠን ክታበት ጸረ-ኮቪድ ካብ ደገ’የ እተእትዎ። ደቡብ-ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ምስ ናይ ደገ ኣፍረይቲ ብምልፋን ኣብ ሃገራ ንምፍራይ’ውን ኣብ መስርሕ ኣላ።

ትካል ፓስትዩር ግን እቲ ፋብሪካ ምስ ከፈቶ ንጸረ-ኮቪድ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ክትባታት ከም ጸረ-ፖልዮ፡ ንፍዮን ወይቦን’ውን ከፍሪ ምዃኑ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ኣብ በበይኑ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሓያሎ ዝንቡዕ ወረታትን ንዘይምኽታብ ምዕጥይጣይን ብሰፊሑ ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈሪ ክታበት ድማ ኣብቲ ህዝቢ እምነት ከሕድርን ንቕሩብነት ክደንፍእን ተስፋ ተነቢሩዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG