ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣሜሪካ ናይ 2 ትሪልዮን ዶላር ሓገዝ ኣጽዲቑ


ሴኔት ኣሜሪካ ኮሮና ቫይረስ ዘስዓቦ ሃሰያ ንምሕጋዝን ንምክልኻልን 2 ትሪሊዮን ዶላር ኣፅዲቑ።ኣውሮጳ ኣብዚ ስዓት ማእኸል ስሕበት ናይዚ ሓደገኛ ቫይረስ ኮይና ኣላ። ቻይና ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ንኮርኖ ቫይረስ ናይ ውሃን ቫይረስ ንዝብል ዝሃብዎ ርእይቶ ብትሪ ኮኒናቶ።

ናይ ኣሜሪካ ሴኔት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣጋጢሙ ንዘሎ ቁጠባዊ ፀገም ንሰባትን ኣብያተ ንግዲን ንምሕጋዝ ናይ 2 ትሪሊየን ዶላር ናይ ምድሓን ፓኬጅ 96 ትማሊ ረቡዕ ኣፅዲቑዎ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ፅባሕ ዓርቢ ድምፂ ክህበሉ ትፅቢት ይግበር።

ፕረ.ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኮንግረስ ኣፅዲቑ ምስ ሰደደለይ ሽዑ ንሽዑ ብፊርማይ ከፅድቖ እየ፤ንኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታትን ስድራቤታትን ከምኡውን ንኩባኒያታት ኣሜሪካ ፅቡቕ መዓልቲ እዩ ኢሎም።

500 ቢሊዮን ዶላር ብከቢድ ዝተሃሰያ ኩባኒያታት ኣሜሪካ:337 ቢሊዮን ዶላር ትሕቲ 500 ሰራሕተኛታት ንዘለዎም ናአሽቱ ትካላት ንግዲ፣250 ቢሊዮን ዶላር ብመንግስቲ ዝፍፀም ስራሕ ንዘይብሎም ዝውሃብ ገንዘብ እዩ።

150 ዶላር ብሰንኪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብሃንደበት ኣብ ሽግር ንዝወደቑ ሆስፒታላት ንምሕጋዝ ዝውዕል እዩ።ካልእ ዓብይ ክፋል ናይቲ ባጀት ንኣሜሪካዊያን ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝውዕል እዩ።ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዎ ስድራ 3,400 ዶላር ክረክብ እዩ።እቲ ሓገዝ 90 ሚእታዊት ስድራቤታት ኣሜሪካ ዝሽፍን እዩ።

ኣሜሪካ ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ልዕሊ 70,000 ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 1,000 መዝጊባ ኣላ።

ብኻልእ ዜና ኣውሮጳ ስሕበት ናይዚ ሓደገኛ ቫይረስ ኮይና ኣላ።ልዕሊ 150,000 እቲ ቫይረስ ዘለዎም ዝተረጋገፁ፣ ኣሽሓት ድማ ህይወቶም ዝስኣኑ ኮይኖም ኣለው። ተዓዘብቲምግፋሕ ናይቲ ለበዳ እናገደደ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን 27 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣውሮጳ ኣንፃር እቲ ለበዳ ዘካይድዎ ግጥም ሓቢሮም’ዶ ክቕፅሉ ይኽእሉ ኢሎም ይሓቱ።

ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት መደረ ዘስምዓ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርኬል እቲ ቫይረስ እናሃለወ፣ሰባት ነብሶም ንሕማም ዘይከላኸል እንተኾይኑ፣ ክታበት ወይ መድሓኒት እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ ክኢላታት ዘቐምጥዎ ዝለዓለ ካብ 60 ክሳብ 70 ፐርሰንት ናይቲ ህዝቢ በቲ ቫይረሽ ክትሓዝ እዮም ክብላ ኣጠንቂቐን።መርከል ንገሊኡ ዶባት ዓፅየን ኣለዋ።

ልዕሊ 420 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓዘን 4,312,099 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን መሬት ዝሓቖፈን ሕብረት ኣውሮጳ ብውልቂ ዝውሰድ ስጉምቲ ነቲ ሕብረት ከፍርሶ ይኽእል እዩ ክብሉ የጠንቅቑ ነቐፍቲ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይ ፖምፒዮ ንኮቪድ-19 ‘ናይ ውሃን ቫይረስ’ ኢሎም ምፅውዖም ብትሪ ነቒፎምዎ።

ፖምፒዮ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቪዲዮ ኮንፈረንስ ብቁጠባዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ /G7/ ጎናዊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዮም ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ገንግ ሹዋንግ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተውሃበ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለፂ ፖምፒዮ ነቲ ሕማም ናይ ዊሃን ቫይረስ ኢሎም ምፅውዖም እቲ ቫይረስ ምስ ቻይና ንምትእስሳርን ቻይና ተካይዶ ንዘላ ፃዕሪ ኣቓልቦ ንምቕያርን ን እዩ ኢሎም።

ፖምፒዮን ካልኦት ኣባላት ምምሕዳር ትራምፕን ፕሬዝዳንት ትራምፕ ሓዊሱ ነቲ ሓዱሽ ኮሮናቫይረስ ናይ ውሃን ወይ ቻይና ቫይረስ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይፅውዑዎ።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ነቲ ቫይረስ ኮሮናቫይረስ/ኮቪድ-19 ኢሎም ብወግዒ ይፅውዕዎ።

እቲ ቃል ቀንዲ ዛዕባ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ ጉጅለ ሸውዓተ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝወፅእ ናይ ሓባርመግለፂ ኣሜሪካ እቲ ቃል ናይ ውሃን ቫይረስ ተባሂሉ ክፅዋዕ ብምድፍኣ ካልኦት ኣባል ሃገራት ነቲ ኣፀዋውዓ ተቓዊመንኦ፤ከም ሳዕቤን ድማ ዝተፈላለዩ መግለፂታት ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG