ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴነተር ጂም ሪሽ:ኣብ ኢትዮጵያ ኩሎም ወገናት ንተጻብኦ ኣቋሪጾም፣  ልዝብ ንክጅምሩ ጸዊዖም


ኣሜሪካዊ ሴነተር ጂም ሪሽ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ዝኣተው ኩሎም ወገናት፣ ንተጻብኦ ኣቋሪጾም፣ ልዝብ ንክጅምሩ ጸዊዖም።

ኣባል ኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ሴነት ኣሜሪካ ሚስተር ሪሽ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ"ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ሕድ ሕድ ትጥሕለሉ ዕድል ጋህዲ እዩ፣ ንዞባዊ ህድኣት ቀጥታዊ ስግኣት’ውን እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ግና፣ ንድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ስግግር’ታ ሃገርን ኮይኑ ኣሎ’ ኢሎም።

ኣሜሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ኩሎም ወገናት ናብ ልዝብ ንክኣትው ክደፍኡ፣ ድሕነት ሰላማዊያን ሰባት ክረጋገጽ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ክቀርብ፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴለፎንን ክምለስን ብልዝብ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብን አተሓሳሲቦም።

XS
SM
MD
LG