ዋሽንግተን —
ናይታ ትማሊ ሰንበት ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሳንዱቕ ሓበሬታ ( ብላክ ቦክስ) ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።
ኢትዮጵያ ንዝኽሪ እቶም ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝሞቱ 157 ሰባት መዓልቲ ሓዘን ሎሚ አዊጃ’ላ። በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ዜጋታት ልዕሊ 30 ሃገራት ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እታ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ከተማ አዲስ አበባ ናብ ናይሮቢ ኣብ ትበረሉ እዋን ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ትብገስ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ምሕምሻሻ ይፈልጥ።