ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ባይቶ ክልል ትግራይ ንምርጫ ጠሚቱ ዘጽደቖ ምምሕያሽ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ


ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ "ገዛኢ ውድብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ሃብቲን ንብረትን መንግስቲ ንውድባዊ ስራሓት ምውዓል ደው ከብል ኣለዎ" ክብል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፀዊዑ::

እቲ ውድብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ትማሊ ብባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ጠመቱ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ::

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብሄራዊ መሪሕነት እቲ ውድብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ጠሚቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ፍትሓውን ንኹሉ ዘሳትፍን ክኾን ይግባእ ዝበለ ኮይኑ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ዝኾነ ህወሓት ኣብ እዋን ምርጫ ካብ ሕጊ ወፃኢ ሃብቲን ንብረትን መንግስቲ ንውድባዊ ስራሓት የውዕል ኣሎ እዚ ድማ ደው ከብል ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ::

ካብ ዴሞክራሲያዊ ኣካይዳ ወፃኢ ንዝካየድ መስርሕ ከምዘይቕበል ዝገለፀ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምርጫ ዘተዓናቕፍ ኰነ፣ እቲ ከይዲ ምርጫ ናፃ፣ ድምፂ ህዝቢ ብፍትሓዊ ኣግባብ ዝውከለሉን ዴሞክራሲያዊን ንከይዀን ዝሰርሕ ዝዀነ ይዂን ፖለቲካዊ ሓይልን መንግስታዊ ኣካልን፣ ስዒቡ ክፍጠር ንዝኽእል ኲነታት ሙሉእ ሓላፍነት ክወስድን ናይ ታሪኽ ተሓታቲ እዩ ብምባል ኣፍሊጡ::

ሓላፊ ርክብ ወፃእን ውድባት ፖለቲካን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ከበደ: እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ነቶም ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ኣብ ከይዲን ሕግን ምርጫ ዘካየዶ ዘተ ተቐቢሉ ኣየተግብርን ኢሎም:: ትማሊ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ጠሚቱ ዘካየዶ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ንፕሮፖጋንዳ እቲ ገዛኢ ውድብ ዝረብሕ እምበር ድምፂ ህዝቢ ብዝግባእ ዋጋ ክህልዎ ዝገብር ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም::

እቲ ውድብ ኣብ መግለፂኡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝዘርግን ኣዝዩ ድሑርን ዝበሎ ብሰነድ ዝተሰነየን ሽም ናይ ምፅላም ዘመተ ኣብ ልዕሊ ብሰላማዊ ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ውድባት ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ብምባል ከሲሱ:: እዚ ከይዲ ፀለመ ዛጊድ ዘይተኣረመ እዩ ብምባል እቲ ገዛኢ ዉድብን ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላትን እዚ ናይ ፀለመ ዘመተ ፍፁም ጌጋን ጐዳኢን እዩ ብምባል ዕላዊ ይቕረታ ንክሕተት ፀዊዑ:: እቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ብዝበለፀ ንክልላት ስልጣን ክህብ ይግባእ ኢሉ ከምዘኣምን ብመሰረት እዚ "ሓዱሽ ውዕል ሓዱሽ ምዕራፍ” ብምባል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፁ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG