ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲዳማ መበል 10ይቲ ክልል ኢትዮጵያ ኮይና


ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ምክትል ኣቶ ውብሸት አያሌ ንውጽኢት ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ወግዓዊ ጌሮም::

ብመሰረት እቲ ህዝበ ውሳነ 98.51 ሚእታዊት መረፅቲ ሲዳማ ክልል ክኸውን ድምፂ ሂቦም:: 1.8 ሚእታዊት መረፅቲ ድማ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ክትፀንሕ ድምፂ ሂቦም::

ብመሰረት እዚ ውፅኢት ሲዳማ ክልል ክከውን ዘድልዮ ድምፂ ረኺቡ’ ሎ።ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ 9 ክልላት ተወሳኺ ሲዳማ ክልል ክኸውን ኪኢሉ ማለት እዩ ::

ምርጫ ቦርድ ድምጺ ምሃብ ካብ ዝተመዝገቡ 2.3 ሚልዮን ሰባት 99.86 ሚእታዊት ድምጾም ምሃቦም ብምግላጽ ገለ ብድሆታት ዝበሎም ጉዳያት ኣብ እዋን ምርጫ ከምዝተራእዩን ክእረሙን መምሃሪ ክኮኑ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

እቲ ቦርድ ብተወሳኺ እዚ ህዝበ ውሳነ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ’ታ ሃገር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘሰጎመ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣካል ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ብምኻን ተወዲቡ ዝፀንሐ ሲዳማ ርእሱ ዝኸኣለ ክልል ንምኳን ብመሰረት ዝቐረበ ሕቶ: ህዝበ ውሳነ 10 ሕዳር 2012 ምክያዱ ይፍለጥ ::

ኣብ ከይዲ እቲ ምርጫ ክእረሙ ይግባእ ዝተባሃሉ ጉዳያት ከይዲ እቲ ምርጫ ንሓደ ወገን ዘዳለወ ምንባሩ: ኣቐዲሙ ሓበሬታ ድምፂ ዝህቡ ኣካላት ብንፁር ንምርካብ ኣፀጋሚ ምንባሩ: ኣብ ሃዋሳ ከተማን ካልኦት ውስን ጣብያታት ምርጫ ዘይምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም ምንባሮም እዩ ተሓቢሩ::

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ድምጺ ኣሜሪካ ተዘዋዊሩ ካብ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓደ ቶማስ ቶርቤ: ሲዳማ ብክልል ንክውደብ ን24 ዓመታት ከምዝተቓለሰ ብምግላፅ ሎማ ውፅኢት ምርጫ ህዝበ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ብምስምዑ ታሕጓሱ ወሰን ከምዘይብሉ ገሊፁ::

ባገሩ በቀለ ዝተባሃለ ወሃቢ ርእይቶ እውን: ህዝቢ ሲዳማ ንዘመናት ዘቕረቦ ሕቶ ስለዝተመለሰ ሕጉስ እየ ይብል:: ህዝቢ ሲዳማ ምስ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብሄራት ብሰላም ክነብር እዩ ክብል ድማ ገሊፁ::

ካልእ መልካሙ ዝተባሃለ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ በቲ ውፅኢት ከምዝተሓጎሰ ብምግላፅ ብቐፃሊ ግና ኣብ ሲዳማ ዝነብሩ ናይ ልሊእ ብሄር ተወለድቲ መሰሎም ከይገሃስ ዘለዎ ስክፍታ ገሊፁ::

መንግስታት ዝተፈላለዮ ክልላት ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልአኽቲ የሕልፉ ኣለዉ::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንህዝቢ ሲዳማ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉ::

ብሕገ መንግስቲ ብዝተውሃበ መሰል ዝተረኸበ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ነቲ ህዝበ ውሳነ መንግስትን ህዝብን ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዝሃብዎ ገሊፁ::

መሰል ህዝበ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ብዝተኸፈለ መስዋእቲ እዩ ዝበለ መግለፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ: እዚ ድማ ክንሕልዎ ኢና ኢሉ::

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሕገ መንግስታዊ መሰልኩም ተጠቒምኩም ናብዚ ብምብቃዕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም::

ህዝቢ ሲዳማ ዝረኸቦ ዓወት ምልክት ነፃነትን ሉኣለዊነትን ኮይኑ ብታሪኽ ክዝከር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ እውን ኣብ ፌስቡክ ገፆም ንህዝቢ ሲዳማ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣሕሊፎም::

ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 47 ብመሰረት ዝተቐመጠ ሲዳማ ኣብዛ ሃገር 10ይ ክልላዊ መንግስቲ ኮይኑ ክጣየሽ እዩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ሲዳማ መበል 10ይቲ ክልል ኢትዮጵያ ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:19 0:00


Recommended

XS
SM
MD
LG