ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ መላእ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዙሓት ምቑሳሎም ሓቢሩ’ሎ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስረት ብምጥላብ ትማሊ ሰንበት ኣብ መላእ’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም ኣለው።
ሰልፈኛታት ነታ ሃገር ኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሕዎ ፕረዚደንት ኣል በሽር ቅድሚ ስለስተ ወርሒ ካብ መዝነት ካብ ዝወርዱ ንደሓር ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለው ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ መዝነቶም ንሲቪላዊ መሪሕነት ከረክቡ ሓቲቶም ኣለው።
ሰልፈኛታት “ ሲቪላዊ መሪሕነት” “ቤት ምኽሪ ቡርሃን ክወድቕ ኣለዎ” ዝብሉ ጭርሖታት ዘስምዑ ክኾኑ ከለው ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
“ ንዓሰርተታት ዓመታት እዛ ሃገር ብወታሃደራዊ መሪሕነት ክትምራሕ ጸኒሓ’ያ: ኽሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን ብሕጂ’ውን ኣይክዕወትን” ክብል ሓደ ካብ ሰልፈኛታት ርእይትኡ ሂቡ።
ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ኮፍ ምባል ኣድማ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብምእታው ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ ግጭት ካብ ዝልዓል ንደሓር ንመጀመርያ ጊዜ ሰልፊ ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዲያሎ “ድልየት ወታሃደራዊ መሪነት ህጹጽን ኩሉ ሓቆፍ ዝኾነ ስምምዕ ክብጻሕ” ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዘይሻራዊ ሓላዊ’ቲ ሰውራ ምኳኑን ዝኾነ ዓይነት ግጭት ድማ ከጋጥም ከምዘይደልይን ገሊጾም ኣለው።
ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ደም ካብ ምፍሳስ ክቑጠቡ ጸዊዖም ኣለው።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን እዋን ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነትን ልዝብ ንምክያድ ጻዕርታት የካይዱ ኣለው።