ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ፕረዚደንት ነበር ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክርከቡ ተሰማሚዓ


መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉር ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ነበር ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፎም ክወሃቡ ሎሚ ሶሉስ ምስምማዖም ተገሊጹ። ዝርዝር እቶም ብቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ውልቀሰባት ንመራሒታ ሃገር ነበር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝሓውስ ምኳኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ነበር በሽር ዝሓለፈ ዓመት ካብ መዝነቶም ካብ ዝወርዱ ንደሓር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ክኾኑ ከለው ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸምዎ ናይ ኹናት ገበን: ምጽናት ዓሌት ከምኡ’ውን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸሶም ጸኒሑ’ዩ።

ሚንስትሪ ሓበሬታ ሱዳን ፈይሰል ሳልሕ ስም ዝርዝር እቶም ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝርከቡ ሰባት እንተዘይገለጸ ሓሙሽትኦም በቲ ቤት ግርዲ ዝድለዩ ሰበ ስልጣን ግን ኣሕሊፎም ከምዝወሃቡ ሓቢሮም ኣለው።

መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉርን ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሑ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ዘካይድዎ ዘለው ልዝብ ምዃኑ’ውን አባል ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን መሃመድ ኣል ሃሰን ኣልሳኒ ሓቢሮም ።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ ንጉዳይ ዳርፉር ከምኡውን ምርመራ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝከታተል ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቐውም ወሲኖም ኣለው ።

ጠበቓ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ግን እቲ ቤት ፍርዲ ‘ፖለቲካዊ ቤት ፍርዲ’ ብምባል ምስቲ ቤት ፍርዲ ዝኮነ ጉዳይ ክህልዎም ከዘይደልዩ ይገልጽ ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብወገኑ ነቲ ክስታት ይነጽግ ። እቲ ቤት ፍርዲ ንፈለማይ ጊዜ ኣብ መዝነት ከሎ ዝኸሰሶ መራሒ ፕረዚደንት ኣልብሽር ክኸውን ከሎ መጀምርያ ኣብ 2009 ድሒሩ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ክእሰር ምእዛዙ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG