ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ፍቓድ ክልተ ጋዜጠኛታት ደው አቢላ


ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞ ሸፈነ ዝህቡ ዝነበሩ ክልተ ወኪላት ናይ ወጻኢ ሃገር መሓውራት ዜና ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ደው አቢላ፥ ሓደ ካብኦም ወኪል ናይ ብስዑዲ እትውነን ጋዜጣ ኣል ዓረብያ ክኸውን ከሎ ዝሓለፈ ወርሒ ምስዚ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ንሓጺር ጊዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሓደ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ሓበሬታ' ታ ሃገር ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሃን ስርሓት ጋዜጠኛታት ኣል ዓረብያ ድሕሪ ምዕዛብ ነዚ ውሳነ ምውሳዱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ጋዜጣ ኣል ዓረብያ ፍቓድ ጋዜጠኛ ሰዒድ ኢል ዲን ሃሰን ደው ምባሉን ኣቕዲሙ ምስ ሸፈነ ተቓውሞ ብዝተኣሳስር ንሓጺር ጊዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩን ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ በዓል ስልጣን መንነት'ቲ ካልኣይ ጋዜጠኛ እንተዘይጠቐሰ'ዃ ወኪል ናይ ቱርኪ መሓውር ዜና ጋዜጠኛ ባህራም ዓብደልሞኒም ፍቓዱ ከምዝተሓድገ ንሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG