ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ፍርቂ’ቲ ስዑዲን ዓረብ ኢማራትን ቃል ዝኣተውኦ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምቕባላ ኣፍሊጣ


ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ
ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ

ሚንስትሪ ፋይናንስ ሱዳን ሃገሮም ፍርቂ’ቲ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ቃል ዝኣተውኦ 3 ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምተቐበለትን ዝተረፈ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት ከምትቕበል ትማሊ ሶኑይ ኣብዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ክልቲኣን ሃገራት ናይ ነዊሕ ዓመታት መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ምስ ተባረሩ ነታ ሃገር ንዝመሓድር ዝነበረ ወታሃደራዊ መሪሕነት ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘበርኽቱ ቃል ምእታዎም ይዝከር።

ሚንስትር ፋይናንስ ሱዳን ኢብራሂም ኢልባዳዊ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን 500 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ምርካቦምን 1 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ናይ ነዳዲ ፍርያት፡ስርናይን ካልኦት ፍርያት ሕርሻን ምርኻቦም ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ “ምስ ኣምባሳደራት ክልቲኣን ሃገራት ተራኺበ ፡ ዝተረፈ ሓገዝ ድማ ክሳብ መወዳእታ 2020 ንምርካብ ተሰማሚዕና ኣለና” ኢሎም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዓቡዳቢ ዝበጽሑ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዝካየድ ፋጻሜ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ’ዩ።

ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኾነ ዓረብ ኢማራትስ ብዛዕባ’ዚ ሓገዝ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

XS
SM
MD
LG