ሱዳን —
ምዕራባውያን ሃገራት እንተተቃወመኦ'ዃ ሱዳን ካብ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምስግጋር ምስ ወዳአት ብኡንብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፈላማይ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ሃገራ ከምእተተኣናግድ ኣፍሊጣ።
እንተኾነ ገለ ሱዳናውያን እዚ ዝሕሰብ ዘሎ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ስራሓት ንግዲ ክፈጥር ይኽእል እዩ ብዝብል እንተደገፍዎ''ዃ መራሕቲ ነገዳት እቲ ከባቢ ግን ንህላወ ሰራዊት ወጻኢ ሃገር ኣብታ ሃገር ተቃዊሞም'ለዉ።