ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ፍትሒ ክትከውን ተመዚዛ


ሱዳናዊያን ዜጋታት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት’ታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ሚንስትሪ ፍትሒ ክኾና ንነዕማት ዓብደላ ብምዛዙ ከምዘሓጎሶም ገሊጾም።

ነዕማት ዓብደላ መሃመድ ፈላመይቲ ሓላፊት ሚንስትሪ ፍትሒ ኮይና ምምዛዝ ንሱዳን ጥራይ ዘይኾነ ንመላእ ኣፍሪቃ’ያ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን ምክንያቱ ንሳ ኣብ ኣፍሪቃ መበል ሓሙሸይቲ ሓላፊት ፍትሒ ኮይና ዝተመዘዘት ጓል ኣንስተይቲ’ያ፡ ኣቐዲመን ጋና፡ኢትዮጵያ፡ሲሺልስን ሌሴቶን ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ፍትሒ ምምዛዘን ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ምምዛን ነዕማት ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ለውጢ ክመጽእ ተስፋ ይገብራ ምክንያቱ ሱዳን ሓንቲ ካብ ሰለስተ ሃገራት ንዓለምለኸ ሕጊ ምእላይ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ኣድልዎ ዘይኣጽደቓ ሃገራት’ያ።

ነዕማት ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ኣብ ወርሒ ነሓሰ,2019 ስምምዕ ካብ ዝፈራረሙ ነዚ መዝነት ዝተረቑሓት እንተኾነት ፈጻሚ አካል ሱዳንን ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ግን ነቲ መዝነት ካልእ ወዲ ተባዕታይ ብምርቑሖም ተቓውሞ ኣልዒሉ ኔሩ። ድሒሩ ግን መዝነት ነዕማት ዓብደላ ኣብ ጥቕምቲ 10 ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረት ነሓሰ 17,2019 ዝተፈረመ ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ሓላፊት ፍትሒ ንቤት ምክሪ ፍትሒ ዝምዝዝን ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ክመርሕ መዝነት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG