ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ዝተመዘዙ አባላት ካቢነ ሚንስትራት ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ሱዳን ድሕሪ ምልቃቕ ነታ ሃገር ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንፈላማይ ጊዜ ዝተመዘዙ ኣባላት ካቢነ ሚንስትራት ትማሊ ሰንበት ቃለ መሓላ ፈጺሞም ኣለው።

እቲ ሓድሽ ዝተመዘዘ ካቢነ’ታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መዚዙ’ሎ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኮይነን ዝተመዘዛ ኣስማ ዓብደላ ኣቐዲመን ኣብ ዓለምለኸ ባንክ ከም ክኢላ ቁጠባን ፋይናንስ ሚንስትርን ኮይነን ከሰርሓ ዝጸንሓ እየን።

ሓድሽ ዝተመዘዘ ካቢነ ሚንስትራት ሱዳን አካል እቲ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገርን ንዲሞክራሲ’ታ ሃገር ዝቃለሱ ተቓወምቲን ዝተመጽሓ ስምምዕ’ዩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ አባላት ካቢነ ሚንስትራት ላዕለዋይ ዳኛ’ታ ሃገር፡ቀዳማይ ሚንስትር’ታ ሃገር ዓብደላ ሃምዶክን ላዕለዋይ ሃላፊ ቤት ምኽሪ ሉ ኡላዊነት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡህራን ተረኺቦም ኔሮም።

XS
SM
MD
LG