ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ወታሃደራዊ መራሕቲን ተቓወምቲን ሓባራዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ምስምምዖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ወታሃደራዊ መራሕቲን ተቓወምቲ ሱዳንን ሓባራዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ብቐዳም ምስምምዖም ተገሊጹ ይኹን ደአ እምበር ኣብ ቁጽሪን አባላት’ቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ስምምዕ ከምዘይበጽሑ ተሓቢሩ’ሎ።

ነታ ሃገር ንኣስታት 30 ዓመትታ ክመርሑ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ኣል በሽር ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መዝነቶም ካብ ዝእለዩ ንደሓር ክል ኦም ወገናት ናይ መጀመርያ ወግዓዊ ልዝብ የካይዱ ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ክሳብ ምርጫ ዝካየድ ነታ ሃገር ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ከምዘመሓድር ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣንጻር መሪሕነት ኣልበሽር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ዝጸንሑ ተቓወምቲን ሰልፈኛታት ድማ ተወከልቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝሓዘ ብሲቪላዊ ምምሕዳር ዝምራሕ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ብቕልጡፍ ክምስረት ክጠልቡ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ግን ብቐዳም’ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀጺሉ ምውዓሉ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG