ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ክፍለ ግዝኣት ኣጥባራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ


ኣብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ኣጥባራ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብምቕዋም ትማሊ ረቡዕን ሎሚ ሓሙስን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር’ታ ክፍለ ግዝኣት ከምኡ’ውን ኣብ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ምምሕዳር ዝነበረ መኻይን ብምቕጻሎምን ይ ህጹጽ እዋን ተአዊጁ’ሎ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ሰዓታት ‘እቶ እቶ’ ካብ ንግሆ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 6፡00 ብኣቆጻጽራ’ታ ሃገር ከምዝተአወጀ’ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ’ሎ።

ሱዳን፡ ክፍለ ግዝኣት ኣጥባራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:45 0:00

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት’ታ ሃገር ተቓውሞታት ዝተራእዩ ምዃኖም እንተኾነ ኣንጻር መንግስቲ ብዝኻየዱ ተቓውሞታት ትፍለጥ ክፍለ ግዝኣት ከተማ ኣጥባራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ግን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንጎደናታት ኣጥባራ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቓም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ከተማታት ሱዳን ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ሓሩጭን ባኒን ተደጋጋሚ ተቓውሞታት ክረአ ምጽንሑ ይዝከር።

ብዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ባኒን ነዳዲን ብዝሒ ሰባት ኣብ ኣብያተ መሰንከቲ ባኒን ነዳዲ መዓደሊን ሪጋ ክስርዑ ይረአ ምህላዎምን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG