ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ምቕባላ ኣፍሊጣ


ሱዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተቐበለት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና።

ሎሚ ረቡዕ 800 ሺሕ ዓቐን ክታበት ምህርቲ ኣስትራዚንካ ካርቱም ኣትዩ`ሎ።

እቲ ክታበት ብሰራሕተኛታት ጥዕናን ልዕሊ 45 ዓመት ዝኾኑ ጸገም ጥዕና ዝጸንሖምን ክጅምር`ዩ ከምኡ ድማ ኣብ ተኣፋፊ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ቀዳምነት ክውሃቦም`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ሚኒስትርጥዕና ሱዳን ዑመር መሓመድ ኤልናጊብ ኣብቲ እዋን፡ ሱዳን ኣብቲ ዞባ ክታበት ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ሃገር ንምዃን ዝሰርሑ ኩሎም መሻርኽቲ ምስጋናና ንገልጽ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ`ውን ን9 ሚልየን ሰባት ዝኸውን ክታበት ኮቪድ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ከምትቕበል ኣብ ዝሓለፈ ምጽብጻብና ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG