ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ካብ አባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተአጊዳ


አቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ፓትሪክ ካፑዋ(ጸጋም)
አቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ፓትሪክ ካፑዋ(ጸጋም)

ሕብረት ኣፍሪቃ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት አባልነት ሱዳን ከምዝአገደ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብወገና ጽባሕ ዓርቢ ዝጅምር ጻዕርታት መንጎኝነት ከምተካይድ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ካብ ከተማ ካርቱም ምሕባሮም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብሶኑይ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ዘካይዱ ዝነበሩ ዜጋታት ንምብታን ኣብ ዝፈትንሉ እዋን ብዘጋጠመ ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ስዒቡ እዩ።

ተቓወምቲ ምስ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብሲቪላዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ናብ ዲሞክራሲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘተ ከካይዱ እንተጸንሑ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ጸኒሖም፡ እዚ ናይዚ ሰሙን ግጭት ድማ እቲ ልዝብ ደው ክብል አገዲድዎ’ሎ።

ሱዳን ካብ አባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተአጊዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:34 0:00

ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብዙሓት ዓለምለኸ ትካላት ነቲ ናይ ሶኑይ ፍጻመ ኮኒኖሞ ኣለው።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዝምስረት ሱዳን ካብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ምእጋዳ ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዘካየዶ ኣኼባ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ አባላቱ ንቅዋም ሃገር ዝጥሕስ ፍጻመ ምስ ዝረአ ካብ አባልነት ናይ ምእጋድ መሰል ኣለዎ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ተቓወምቲን ዘተ ንምክያድ ጽባሕ ዓርቢ ናብታ ሃገር ክኸዱ ምዃኖም አባል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ንሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ክልቲኦም ወገናት ከምዝራኸቡ እንተኾነ እቲ መንጎኝነት ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንምዃኑ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን በቲ ናይ ሶኑይ ግጭት ቁጽሪ ዝሞቱ 61 ሰባት ምዃኖም ክገልጽ ከሎ ተቓወምቲ ግን እቲ ቁጽሪ 108 ምዃኑ ይገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG