ዋሽንግተን —
ምምሕዳር ኣሜሪካ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣውጺእዋ`ሎ። ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሱዳን ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚራ ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ ሽበራ ወጺኣ`ላ ኢሉ።
ሱዳን ኣብ`ቲ ዝርዝር መወልቲ ዝኣተወት፡ ኣብ 1090`ታት ንመራሒ ኣልቃዒዳን ካልኦት ዝድለዩ ዝነበሩ ኣኽረርትን ኣብ መሬታ ንሓጺር ግዜ ሒዛቶም ብምንባራ`ዩ። እቲ ስጉምቲ፥ ንቁጠባ ሱዳን ኣብ ምብርባርን ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ምሕዝነት ናብ ንቡር ንምምላስን ኣገዳሲ ጌርዎ`ሎ።