ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ንክትወጽእ ምስ ኣመሪካ ንዝተበጽሕ ስምምዕ ግዳያት ግብረሽበራ ተቓዊሞሞ 


ፍርስራስ ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይሮቢ ኬንያ 09 ነሓሰ 1998
ፍርስራስ ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይሮቢ ኬንያ 09 ነሓሰ 1998

ግዳያትን መቕርብን ናይቲ ኣብ 1998 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ: ነቲ ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ንኽትወጽእ ዝገብር ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝበዝሑ ካብ ዓማዊሉ ከምዝነጸግዎ ሓደ ጠበቓ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1998 ብናይ ጽዕነት መኪና ተቐናቢሩ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምብ: ብሓፈሻ 224 ሰብ ክቐትል ከሎ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ከምዘቑሰለዩ ዝግለጽ።

በዚ ድማ ግዳያትን መቕርብ ግዳያትን ሱዳን ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ኣባላት ኣልቃዒዳ ጽላል ሂባ ብዝብል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ክሲ ከምዝመስረቱ ይፍለጥ።

ሚኪኤል ሚለር ዝተባህለ ጠበቓ ግዳያትን መቕርብ ግዳያትን ምስ ሳውዝ ሱዳን ኢን ፎከስ ዝተባህለ መደብ ድምጺ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ ሱዳን ምስቲ መጥቃዕቲ ቦምብ ብዝተተሓሓዘ 335 ሚልዮን ዶላር ከፊላ ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክትወጽእ ዝገብር ስምምዕ ንግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሃብ ገንዘብ ብመንጽር ዜግነቶም ዘጓኒ'ዩ ክብልዩ ነቒፍዎ።

ንሱ ኣመሪካውያን ግዳያት ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኽፈልዎ ክፍሊት ካብቶም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኮይኖም ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ሚኪኤል ሚለር ግዳያት ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዓማዊሉ ከምቲ ፈደራል ቤት ፍርዲ ዋሺንግተን ዝበየኖ እቲ ካሕሳ 3 ቢልዮን ዶላር ክወሃቡ ከምዝግብኦምዩ ዝገልጽ።

XS
SM
MD
LG