ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ኣካታዒ ንዝነብረ ሕጊ ኣከዳድናን መስተን ከምዝቕየር ኣፍሊጣ


መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ንክልተ ቁልፊ ጠለባት ንዲሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ዝነበሩ ቐይሩ። ንኣካዳድና ደቂ ኣንስትዮን ኣልኮላዊ መስተን ገበን ንዝገብር ሕጊ ከምኡ’ውን ገዛኢ ፓርቲ ናይታ ሃገር ንዝነበረ ውድብ ኣፍሪሱ’ሎ።

ሚንስትር ፍትሒ ሱዳን ናስራዲን ዓብዱልባሪ Public Order Act/ሕጊ ህዝባዊ ስርዓት/ ንምውጋድን ፓርቲ ሃገራዊ ኮንግረስ ከብቅዑን ዝተዋህበ ውሳነ ንናይ ሱዳን ህዝባዊ ለውጢ ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም ኣለው።

ብሰንኪ እዚ ሕጊ ብዙሓት ሱዳናዊያን ስድራታት ንመግረፍቲ፣ንምፍርራሕን ንማእሰርትን ይቓልዑ ከምዝነበሩ ዓብዱልባሪ ገሊፆም።

እዚ ሕጊ እዚ ካብ ስልጣን ዝተባረረ ስርዓት ፕረዚደንት ዑማር ኣልበሽር ን30 ዓመታት ንደቂ ኣንስትዮ ዝዕፍነሉ ከምዝነበረ ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG