ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን-ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ምውዳቕ ፕረ.ኣልበሽር


ሱዳን-ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ምውዳቕ ፕረ.ኣልበሽር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00

ሱዳን-ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ምውዳቕ ፕረ.ኣልበሽር

ሎሚ ሚያዝያ 11፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ንፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ዝዓለወሉ መበል ራብዓይ ዓመት`ዩ። እንተኾነ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ዝነበረ ተስፋ ገና ኣይተማልአን። ስልጣን መን ይሕዝ ኣብ ዝብል ፡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ምስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝገብርዎ ቃልሲ ኣይተወደአን።

ን30 ዓመታት ዝመርሐ ዑማር ኣል-በሽር ኣብ ምዕላው ዝተሳተፉ ሲቪላት፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትካል ዝነበሮም ሕልሚ ገና ኣይተጋህደን። ሓደ ሲቪላዊ ምምሕዳር ን18 ኣዋርሕ ድሕሪ ምምርሑ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021፡ ሓደ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ስርዓት ስልጣን ጨቢጡ ገና`ውን ነታ ሃገር ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ካርቱም ዳርጋ መዓልታዊ ተቓውሞ ኣየቋረጸን። መሓመድ ዓሊ ሓደ ካብ ወደብቲ`ዩ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር`ዩ ክኸውን ዘለዎ ይብል።

“ እቲ ወተሃደራዊ ስልጣን ናጻን ዝተፈልየን ክኸውን የብሉን። እዚ ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ደሞክራሲያውነት ኣገዳሲ ስጉምቲ`ዩ። ሰባት ነዚ`ዮም ክቕበሉ ኣለዎም “

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ከም ዝሰጋገር ከፍልጥ ጸኒሑ`ሎ። ነዚ ዘተግብር ሓደ ፖለቲካዊ ሰነድ`ውን ንዝሓለፈ ሰሙን ማለት ሚያዝያ 6 ተሓሲቡ ኔሩ፡ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ተመሓላሊፉ።

ማሪያም ኣል-ሳዲቕ ኣል-ማሕዲ ካብ ሃገራዊ ኡማ ፓርቲ ኣብቲ ልዝብ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ`ያ፡ ዝሓለፈ መጋቢት ከምዚ ኢላ ኔራ “ እቲ ዝቐውም ግዚያዊ መንግስቲ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ንሓጺር ግዜ ማለት ንሓደ ወይ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ`ውን ክኸውን ይኽእል። ፍልልያትና መዕለቢ ክንገብረሉ ይግባእ።”

ሰልፈኛታት ተቓውሞ ግን እዚ መስርሕ`ዚ ካብዚ ንላዕሊ ክናዋሕ የብሉን ይብሉ።ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኮኑ መማህራን ንኣዋርሕ ኣይተኸፍሉን፡ መንግስቲ`ውን ካብ ስራሕ ወጻኢ`ዩ ኮይኑ ዘሎ ዝብል መረረት የስምዑ።

ሚንስተር ገንዘብ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም ግን፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትካል ቀሪብና ኢና ይብል።

XS
SM
MD
LG