ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ወሰናት ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ 29 ሬሳታት ብዝምልከት ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምዝርራባ ሓቢራ


ገለ ካብቲ ሬሳ ዝተረኽበሉ ቦታ
ገለ ካብቲ ሬሳ ዝተረኽበሉ ቦታ

ሱዳን ኣብ ወሰናት ሩባ ተከዘ ዝተረኸበ 29 ሬሳ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ንምግላፅ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ከምዝፀውዐት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚንስትሪ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቶም ኣምባሳደር 30 ነሓሰ 2021 ተፀዊዖም ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሱዳን ሩባ ሰቲት ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ተከዘ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሩባ ከምዝተረኸቡ ተነጊሩዎም ኣሎ።

እቶም ሬሳታት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ከባቢ ዋድ ኣል ሁላይዋህ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን እዮም ኣለልዮምዎም።እቲ መግለፂ ከመይ ከምዝሞቱ ኣይጠቐሰን።

ብሰንኪ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወጥሪ ምፍጣሩ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።

XS
SM
MD
LG