ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ ኣፍሊጡ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ከባቢታት ሱዳን ይካየዱ ዘለው ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ሓደ ምዃኑ ዝተገልጸ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኡምድርማን ምክያዱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ኡምዱርማን ብምውጻእ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ “ናጽነት፡ሰላም፡ፍትሒ” “ቃልሲ ምርጫ ህዝቢ’ዩ” ዝብሉ ጭርሖታት ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ።

መራኽቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሙ ሓቢረን ኣለዋ።

ብተወሳኺ ፖሊስ ኣብቲ ፍጻሜ ሰለስተ ሰባት ምሟቶምን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካልኦት ምቁሳሎም ገሊጹ’ሎ።

እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተኻየደ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ተቓውሞ ከምዘይቕበልዎም ካብ መዝነቶም ዝወርዱ ብምርጫ ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

ይኹን ደአ እምበር ንሶም ኣብ መደረኦም እቲ ተቓውሞ ገዛኢ ፓርቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ መዝነት ዝጸንሕሉ ናይ ጊዜ ገደብ ንምንዋሕ ንቅዋም’ታ ሃገር ምምሕያሹ ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ግን ኣይጠቐሱን።

XS
SM
MD
LG