ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኣ ኣፍሊጣ


ከተማ አዲስ አበባ
ከተማ አዲስ አበባ

ኢትዮጵያ ሱዳን ንኵናት ክልል ትግራይ ክትሽምግል ንዘወሰደቶ ተበግሶ ድሕሪ ምንፃጋ ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምፅውዓ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጣ።ናይ ሱዳን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ርክባት ክልቲአም ጎረባብቲ ሃገራት እናተሸርሸረ ምምፅኡ ዘመልክት እዩ ኢሉ።

እቲ ወጥሪ ዝጀመረ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንናይ ክልል ትግራይ ግጭት ተበሊፆም ወታሃደራት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ።ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ወታሃደራት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ኵናት ክልል ትግራይ ዝነበርሉ ቦታ ክምለሱ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይፅውዑ ይብል ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ዝተዛረባ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ብልለኔ ስዩም ምስ ገለ መራሕቲ ሱዳን ዘለና ምትእምማን ተሽሰርሺሩ እዩ ኢለን።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ሱዳን ዘለና ርክብ ኣፀጋምን ጥንቃቐ ዝሓትትን እዩ።ምኽንያቱ ምስ ገለ መራሕቶም ዘለና ናይ ምትእምማን ደረጃ ተሸርሺሩ ኣሎ።ብፍላይ ድማ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ወራር ብዝተኣሳሰረ።እምነት ድማ ንዝኾነ ይኹን ሽምግልና ወይ ልዝብ መሰረት እዩ።ስለዚ ሱዳን ከምዚ ዝበለ ልዝብ ንምድላው እትኽእል እምንቲ ሃገር ኮይና ክትርአ መጀመሪያ እቲ ጉዳይ ክፍታሕ ኣለዎ"ኢለን።

XS
SM
MD
LG