ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ኢትዮጵያ ን7 ዜጋታታ ቐቲላ ክትብል ድሕሪ ምክሳስ ንኣምባሳደራ ስሒባ


ሱዳን: ኢትዮጵያ ሸውዓተ ወታሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብን ቀቲላ ክትብል ከሲሳ።

ሱዳን ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንዝሓዙዎም ወታሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብን ቀቲሎም ክትብል ብምኽሳስ "ናይ ፈረሓት’’ ኢላ ንዝፀውዐቶ ተግባር ግብረ መልስ ከምትህብ ሓቢራ።

ሱዳን ብሰንኪ እዚ ሎሚ ሰኑይ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ፀዊዓ ኣላ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ኣል-ፋሻካ ዝተባህለ ቦታ ሕርሻ ወጥሪ እናወሰኽ መፂኡ እዩ።

ወታሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ንኩሎም ሕጊ ኵናትን ልምድታትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ዝፃረር ተግባር’’ ብምባል ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንዝሓዙዎም ሸውዓተ ወታሃደራት ሱዳንን ሓደ ዜጋን ረሺኖምዎ ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ "ነዚ ናይ ፈርሓት ባህሪ ኣይንሓልፎን፤ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና’’ ክብል ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ሽሙ ክገልፀሉ ዘይደለየ ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን እቶም ወታሃደራት ካብ ናብ ኣል-ፋሻካ ዝቐረበ ከባቢ ተታሒዞም ተወሲዶም ክብል ንናይ ፈረንሳይ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ገሊፁ ኣሎ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ 22 ሰነ 2022ምስ ሱዳን ኣብ ዘራኽብ ሓባራዊ ዶብ ዝተፈፀመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ከምዝፈለጠ ብምሕባር እቲ ኣጋጣሚ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብ’ኣሸባሪ ህወሓትን’ ዝሕገዙ ባእታታትን ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ጥሒሶም ድሕሪ ምእታዎም እዩ ተፈጢሩ ይብል ።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ክሲ ካብ ህወሓት ዝተውሃበ መልሲ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ወታሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ሚሊሻንን ብዝተፈጥረ ቶኽሲ ብዝጠፍአ ህይወት ከምዝጥዓስ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ምርመራ ክካይድ እዩ ይብል።

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝኣተው ወታሃደራት ሱዳን ኮይኖም እናሃለው ብወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዝወፀ መግለፂ ምኽኑይ ስለዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘየማትእ ይነፅጎ ይብል።እቲ መግለፂ ወሲኹመንግስቲ ሱዳን ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጎሃህር ስጉምቲ ክቑጠብ ተስፋ ይገብር ይብል።

XS
SM
MD
LG