ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ንነዊሕ ዓመታት ተአጊዱ ዝጸንሓ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምርኢት የቕርቡ


ኣብ ሱዳን ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ተአጊዶም ዝጸንሑ ሙዚቀኛታት ሱዳን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንሓድሽ ዓመት ተኸታታሊ ሙዚቃዊ ምርኢት የርእዩ ኣለው።

እዚ ከም መርአያ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ ተገይሩ’ውን ይረአ ኣሎ። እቶም ሱዳናዊያን ስነ ጥበበኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክነብሩ ዝጸንሑ ክኾኑ ከለው ነቲ ንውድቀት መሪሕነት ኣልበሽር ዝመርሓ ናዕቢ ዓመቱ’ውን አኽቢሮም ኣለው።

እቲ ጉጅለ ሂፕሆፕ ናስ ጀታ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ፈላማይ ምርኢቱ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣቕሪቡ’ሎ።እቲ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ናይ ፈለማ ምርኢቱ ኣብ 2004 ዓ.ም ዘቕረበ ኽከውን ከሎ ሙዚቃታት እቲ ጉጅለ ፖለቲካ’ዩ ተባሂሉ ብሰበ ስልጣን ተአጊዱ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG