ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ዑቝባ ይሓቱ


ፋይል
ፋይል

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ 40 ኣባላት ናይቲ ኣብ ሱዳን ዓስኪሩ ዝነበረ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት፡ ዑቕባ ክሓቱ ናብ ሰሜን ሱዳን መጺኦም ኣለዉ።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ በዓል መዚ ሱዳን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣባላት እቲ ተልእኾ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ፈረሳይ ኣመልኪቱ። እቶም ብሰንበት ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ ናብ ኡም-ጋርጎር ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ምውሳዶም’ውን እቲ ዜና ጸብጺቡ ኣሎ።


እቶም ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ነበር፡ ናብ ሃገሮም እንተ ተመሊሶም ውሕስና ከም ዘይብሎም ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባኦም ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ግዳያት ናይቲ ብህወሓት ዝግበር ፕሮፓጋንዳ’ዮም፡” ክብል ምግላጹ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG