ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ሽሕ'ዃ ንናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ እንተሓየለቶ ተቓውሞ ዜጋታት'ታ ሃገር ግን ይቕጽል'ሎ


ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ምስ ሓድሽ ዝመዘዝዎ ቀዳማይ ሚንስትር መሃመድ ጣሃር ብምዃን ሓድሽ መንግስቲ ንምስራዕ ትማሊ ረቡዕ ኣኼባ ምክያዶም ተገሊጹ።

ቀ/ሚ መሃመድ ጣሃር እንታይ ዓይነት ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ምስ ፕረዚደንት ተዘራሪብና ኣለና ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ንጠለብ ህዝብ ዘማልእ ንሃገራዊ ጉዳያት መፍትሒ ከናድይ ዘኽእል መንግስቲ ንምምስራትን ምስ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ንምዝርራብ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት’ውን ተዘራሪብና ኣለና ኢሎም።

ቀ/ሚ መሃመድ ጣሃይ ከም መግቢ፡ነዳዲን መድሃኒት ዝኣመሰሉ መሰረታዊያን ቀረባት ንህዝቢ ንምብጻሕ ምስ ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ክዘራረቡ ከምዘለዎም’ውን ንፕረዚደንት ሓቢሮም ኣለኹ ኢሎም።

ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ድሕሪ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጆም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሕግታት ኣጽዲቖም ኣለው።

እዚ ናይዚ ሰሙን ሕግታት ተቓውሞን ሰልፊን ዝኽልክል ከምኡ’ውን ሓድሽ ቁጠባዊ ቀይድታት ዘንብር’ዩ።

ቅዋም ሱዳን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኩናት ወይ’ውን ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ፕረዚደንት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክእውጅ መሰል ዝህብ’ኳ እዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ሱዳን ግን ምስዚ ዝጽብጸብ ኣይኮነ ክብሉ ስብሞያ ሕጊ’ታ ሃገር የረድኡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ኣብ ዋና ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ሎሚ ሓሙስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ተሓለቕቲ መሰላት ኣብታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ወርሒ ታህሳስ ካብ ዝጅመር ኣስታት 57 ሰባት ምሟቶም ክገልጹ ከለው መንግስቲ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 30 ምዃኑ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG